News

ፈነወ ቋንቋ ትግርኛ ድምጺ ኣመሪካ ዕለታዊ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ን 30 ደቒቕ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ይመሓላለፍ። ፈነወ ትግርኛ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሰዓት 10 ክሳብ 10:30 ምሸት ወይድማ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ሰዓት 4 ምሸት ክሳብ 4:30 ይመሓላለፍ። ፈነወ ትግርኛ ብናይ`ቲ መዓልቲ ዓበይቲ ዜናታ ...
ኣብ ከተማ መቐለ እትርከብ ማእከል ሕክምና ዓይኒ ፍፁም ብርሃን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ን163 ጸገማት ዓይኒ ዝጸንሖም ዜጋታት ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ሂቡ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ፡ ንሓፈሻዊ ኣገልግሎት እታ ማእከልን ኣብቲ ...
15 ሚያዝያ ዝጀመረ ኲናት ሱዳን፡ ነቶም ኣቐዲሞም’ውን ግዳይ ተደጋጋሚ ዒላማ በበይኖም ወገናት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበኣሰ ጸገም ኰይኑዎም ኣሎ። ምስቲ ዘሎ ሽግር መራኸቢታት ምስ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ...
ኣብ ክልል ዓፋር ዝጸንሑን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣከቡን ብድምሩ 432 ኤርትራውያን ናብ ዓሰብ ከም ዝተሰጐጉ ካብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ሓበሬታ በጺሑና። እቶም ንውሕስነቶም ድምጾም ክቕረጽ ዘይመረጹ ናይ ቀረባ ሰብ-ጉዳይ እቶም ...
“ንምደባ ኣመራርሓ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ስራሕቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ምትዕንቓፍ ዝፈጥሩ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ’ዩ፡” ኢሉ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ። ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ኣቐዲሙ ብቤት ጽሕፈት ውድብ ህወሓት ንዝወፅአ ...
ጥንታውያን ብኢድ ዝተፃሕፉ መፃሕፍቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንምዕቃብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ትካል ሃመረ ብርሃን ጻዕርታት የካይዱ ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዘዘራረቦም ኣባላት እቲ ትካል ይገልፁ ። ኢትዮጵያዊ ካህን ዘልኣለም ሞላ በተን ...
ኣብ ኣስመራ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ምርኢት ባዛር ተኻይዱ። ኣብዚ"ቱሪዝምን ሰላምን” ብዝብል ቴማ ብምትሕብባር ሚንስትሪ ቱሪዝምን ማሕበር ወሃብቲ ኣገልግሎትን ዝተወደበ ምርኢት፡ ብርክት ዝበሉ ናይ መግብን ...
ኮመርሻል ኖሚኒስ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር፡ ንባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝቖፀሮም ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ካብ ዝቕፅል 25 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ስራሖም ከም ዝእለዩ ተገሊፁ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ኮመርሻል ኖሚኒስ፣ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ...
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሓሙስ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ንግሆ ብኣቆጻጽራ ሰዓት መቓዲሾ ኣትዩ፡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት ጻንሖትን ምርኻብ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚን እታ ሃገር ንኢትዮጵያ ተመሊሱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ ...
ኣብ ሰሜን ጎንደር ከተማ ዳባት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝርከቦም ክልተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ድማ ክልተ ካልኦት ኤርትራውያን ከም ዝቖሰሉን ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። ኣብ ወረዳ ዳባት፡ ምምሕዳር ጣቢያ ...
ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘፅደቖ ደንቢ፡ ሕገ-መንግስታዊ ጥሕሰት ከምዝፈፀመ ዝገለፀ፣ “ሂዩማን ራይትስ ፈርስት” ዝተባህለ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ እቲ ደንቢ ንኽሰዓር ንናይ ሕገ-መንግስቲ ጉዳያት መፃረዪ ...
ሎሚ ሓሙስ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ብኣቆጻጽራ ዋሽንግተን ዲሲ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም ዝተዘራረበ ብምሕባር፡ ምምሕዳሩ ስሩዕን ጽፉፍን ምስግጋር ስልጣን ክግበረሉ ምዃኑ ከም ዘረጋገጸሉ ...