News
ፈነወ ቋንቋ ትግርኛ ድምጺ ኣመሪካ ዕለታዊ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ን 30 ደቒቕ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ይመሓላለፍ። ፈነወ ትግርኛ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሰዓት 10 ክሳብ 10:30 ምሸት ወይድማ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ሰዓት 4 ምሸት ክሳብ 4:30 ይመሓላለፍ። ፈነወ ትግርኛ ብናይ`ቲ መዓልቲ ዓበይቲ ዜናታ ...
ኣብ ከተማ መቐለ እትርከብ ማእከል ሕክምና ዓይኒ ፍፁም ብርሃን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ን163 ጸገማት ዓይኒ ዝጸንሖም ዜጋታት ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ሂቡ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ፡ ንሓፈሻዊ ኣገልግሎት እታ ማእከልን ኣብቲ ...
ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘፅደቖ ደንቢ፡ ሕገ-መንግስታዊ ጥሕሰት ከምዝፈፀመ ዝገለፀ፣ “ሂዩማን ራይትስ ፈርስት” ዝተባህለ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ እቲ ደንቢ ንኽሰዓር ንናይ ሕገ-መንግስቲ ጉዳያት መፃረዪ ...
15 ሚያዝያ ዝጀመረ ኲናት ሱዳን፡ ነቶም ኣቐዲሞም’ውን ግዳይ ተደጋጋሚ ዒላማ በበይኖም ወገናት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበኣሰ ጸገም ኰይኑዎም ኣሎ። ምስቲ ዘሎ ሽግር መራኸቢታት ምስ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ...
“የኑረነቢ ማህደር” ብፍሉጥ ደራሲ ተስፋዬ ገብረኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወጸት ዳሕረወይቲ መጽሓፉ`ያ። ብመንእሰይ ዳንኤል ሃብተማርያም ናብ ትግርኛ ተተርጕማ ፡ ተሓቲማ ፡ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ከምትምረቕ ደራሲ ሓቢሩ`ሎ ...
ኣብ ክልል ዓፋር ዝጸንሑን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣከቡን ብድምሩ 432 ኤርትራውያን ናብ ዓሰብ ከም ዝተሰጐጉ ካብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ሓበሬታ በጺሑና። እቶም ንውሕስነቶም ድምጾም ክቕረጽ ዘይመረጹ ናይ ቀረባ ሰብ-ጉዳይ እቶም ...
“ንምደባ ኣመራርሓ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ስራሕቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ምትዕንቓፍ ዝፈጥሩ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ’ዩ፡” ኢሉ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ። ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ኣቐዲሙ ብቤት ጽሕፈት ውድብ ህወሓት ንዝወፅአ ...
ጥንታውያን ብኢድ ዝተፃሕፉ መፃሕፍቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንምዕቃብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ትካል ሃመረ ብርሃን ጻዕርታት የካይዱ ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዘዘራረቦም ኣባላት እቲ ትካል ይገልፁ ። ኢትዮጵያዊ ካህን ዘልኣለም ሞላ በተን ...
ድሕሪ ምብጻሕ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን እንግሊዝን ናብ ዩክሬን፡ ሃገራት ምዕራብ ንዩክሬን ዘለዎም ድጋፍ ንምሕያል ኣመሪካ 700 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትመባጻዕ እንከላ፡ እንግሊዝ ድማ 782 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትህብ ምዃና ቃል ኣትየን ...
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ዝርከባ ወረዳታት ቤጊን ባቦ ገምበልን ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ብዝቀፀለ ጎንፂ ሲቪላዊያን ሰባት ዒላማ ይኾኑ’ለዉ ክብሉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም ...
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሓሙስ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ንግሆ ብኣቆጻጽራ ሰዓት መቓዲሾ ኣትዩ፡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት ጻንሖትን ምርኻብ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚን እታ ሃገር ንኢትዮጵያ ተመሊሱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ ...
ኣብ ሰሜን ጎንደር ከተማ ዳባት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝርከቦም ክልተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ድማ ክልተ ካልኦት ኤርትራውያን ከም ዝቖሰሉን ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። ኣብ ወረዳ ዳባት፡ ምምሕዳር ጣቢያ ...
Some results have been hidden because they may be inaccessible to you
Show inaccessible results